ንሕና ውድብ ማሕበር የሕዋት ኣግኣዝያን (ማየኣ) ናይ ትግርኛ ሃገራዊ ምንቅስቓስ ኢና። ማየኣ ኣብ ኤውርጳ፡ ኣሜሪካን ካናዳን፡ ኣፍሪቃን ፡ ማእከላይ ምብራቕን፡ ጨንፈራት ከፊቱ ኣብ መላእ ዓለም ውዳበ ፈጢሩ ብስጡም ዝንቀሳቐስ ሃገራዊ ዉድብ’ዩ። ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ምዝጉባትን ዘይምዝጉባትን ኣባላትን ተኸተልትን ኣለዉዎ። ዕላምኡ ድማ ንኤርትራ ወግዓዊት ሃገረ-መንግስቲ ህዝቢ ትግርኛ ምግባር እዩ። ንውሑዳት(minority) ዴሞክራስያዊ መሰሎም እትሕሉ፡ ወግዓዊ መንግስቲ ትግርኛ ብምፍጣር ቁጠባ ምህናጽ ቀንዲ ዕላማና እዩ።
እምበኣር እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ጸጋታት ዝውንን ህዝቢ ትግርኛ፡ ንኤርትራ ልክዕ ከም ኢራን ናይ ሽዓውያን ኢራናዉያን፡ ስዑድያ ናይ ሱኒ፡ ጀርማን ናይ ጀርመናዉያን፡ ዴንማርክ ናይ ደኒሻውያን ጥራይ ዝኾና፡ ኤርትራ ድማ ናይ ትግርኛ እያ። ናይ ኣሽሓት ዓመታት ዝተወቕረ ጽሑፋትን ሓወልትታትን፡ ኣሰራት ከተማታትን ማእለያ ዘይብሎም ዓለም ትፈልጦ ምስክራት ኣሎና። ነዚ ንምግባር ሕጋዊን ሞራላውን እዩ። ናይ ደቀባት መሰል ኣብ ዉድብ ሕቡራት ሃገራት መሰረት ኣብ ዓንቀጻት ሰፊሩ ዘሎ እዩ።
ሃገርና ኣብ ጥርዚ ምዕባለ ክነብጽሓ ናይ ሓደ ወለዶ (15-20 ዓመት) ግዜ ከምዝወስደልና ታሪኽና ምስክር እዩ። ካብ ቀዳማይ ክፍለዘመን ክሳዕ 7ይ ክ፡ዘ ዝነበረ ስልጣነናን፡ ኣብ ግዜ ጥልያን ንሃገርና ኢንዱስትራዊት ምግባራ ዝወሰደ እዋንን፡ ናይ ሻዕብያ ታሪኽን እኹል ምስክር እዩ። ንህዝብና ኣብ ድኽነትን ድሕረትን ሸሚሙ፡ መሰታ ዳሕሮት ገይሩና ዘሎ እምበኣር እቲ ዘይብቑዕን፡ ብብልሹውና መዳርግቲ ዘይብሉ፡ ፈራሕን ጨካንን ኢሳያስ ኣፈወርቂ እዩ። ልክዕ ከምቲ ኣብ ደገ ዝነበር ህዝብና ብማሕበር የሕዋት ኣግኣዝያን ልዑል ጽልዋ ሓዲርዎ ዘሎ፡ ኣብ ዉሽጢ ዓዲ ድማ ብሳተላይት ብራድዮን ተለቭዥንን ጥራይ ንኢሳያስ ካብ ስልጣን ምእላይ ካብ 6-12 ኣዋርሕ ጥራይ ከምዘድልየና ኣብ ዘተኣማምን ደረጃ በጺሕና ኣሎና።