ዜናን ሓበሬታን

ወይ ጉድ!

23-11-2021ብ - ተኽለወይኒ ጽዮን ኣል ኣዛር

ወይ ጉድ! ነቶም ቀንዲ ሻዕብያ ንቡር ቀብሪ ይሕረመሞ፡ ነቶም ኣብ ሻዕብያ ፍጽም ተራ ዘይነበሮም ቆራዲድ ካኣ ሳልስቲ ሃገራዊ ሓዘን ይጽዋዓሎም!
------------------------------
ህግደፍ ግን ነዞም ኣብ ሰውራና ዝኾነ ታሪኽን ተራን ዘይነበሮም ቀቢላታት ክሳዕ ሰሙን-ዝኣክል ሓዘን ይገብረሎም ኣሎ። ነቶም ብልሒ ሰውራና ዝነበሩ ድማ ንቡር ቀብሪ እኳ ከልኪልዎም፡ ንገሊኦም ናይ ክልተ መስመር ናይ ሓዘን ሸፈነ ዜና ገይሩ ይሓልፎም፡ ዘስደምም'ዩ።

እዝከረኒ ኣብ መስከረም 2005 ኣቢሉ እዩ ዓሊ ሰይድ ዓብደላ ዝብሃል ካብ ቀቢላ ዓፋር እዩ መስለኒ፡ ሞይቱ ተባሂሉ መንግስቲ ህግደፍ ክሳዕ ሰሙን ናይ ሓዘንን ቁዘማን ቅነ ገይሩ ንኹሉ ህዝብና ንዓሊ ሰይድ ዝፈልጦን ዘፈልጦን ኣብ ሓዘን ኣቐንዩዎ።

እታ ዓሊ ሰዒድ ዝሞተላ ቅነ ክሳዕ ሕጂ ኣይትርሳዓንን እያ። ሃንደበት "ዜና ሓዘን" ኢላ ድምጺ ሓፋሽ ራድዮ ሒዘ ኸለኹ "ዓሊ ስዒድ ዓብደላ ዓሪፉ" ሽዑ መበል 18 ዙርያ ተስፋኡ ዝቐሃመ ተማሃራይ ሳዋ እየ ንገዛይ ዕረፍቲ ንወርሒ ተመሊሰ። ዓሊ ሞይቱ ምስ ሰማዕኩ "ዓሽ ያዓኸ ጋሕ ይበል " ኢለ ዝጨደርኩ። ሃንደበት ምሳይ ዝነበሩ ደቂ ሓወቦይ እዋእ እንታይ ማለት ወደይ ንፉዕ ሓላፊ ወጻኢ ጉዳያት እንድዩ ኢሎምኒ።

ኣይፈለጥኩሞን ኣለኹም በዓል እዚ እዮም መጻኢ ከምዘይብልና ትምህርትና ዋጋ ከምዘይብሉ ዝገብርዎ ዘለዉ፡ ኣበይ እሞ ብዓቢኡ ኢሳያስ እንተድገም ኢለ መሊሰሎም፡ ብዛዕባ ኣብ ኣብቲ ሽዑ ዓመት ኣብ ሳዋ ንመንእሰያት ተስፋ ንምቑራጽ ዘገበሩና ኣዕለልኩዎም።

ዋላ እኳ ኣብቲ ፈለማ ሓደ ቁርዲድ ሞይቱልና ኢለ እንተተሓጎስኩ፡ እቲ ሓዘን ኣዝዩ ዓሚቕን ሓደ ሰሙን ዝወሰደ ምንባሩ ዓድና ኣብ ዲቕ ዝበለ ሓዘን እያ ኣትያ። እሞ ኸኣ ኣብ ዓድና እኮ ተለቭዥን የላን። ጥራይ ብድምጺ-ሓፋሽ ኢና ንሰምዕ።

ንዓይ ዉን ከምዝጠዓስ ምስኦም ብኻ ዘይሞይቱ ከምዝብል ገይሮምኒ እዮም። ምኽንያቱ ምሉእ ህዝቢ ኣስመራ እዩ ቀብሪ ከምዝወጽእ ተገይሩ። እቲ ቁዘማ ደርፍታትን ግጥምታትን ከይፈተኻ ክትበኪ ክሳዕ ትደሊ እዩ ዝገብረካ።

እቲ ዝገርም ነገር ከቢድ ሓዘን ደኣ ተኣዊጁ ቀነየ እምበር እንታይ እዩ ታሪኹ ዓሊ ስዒድ፡ ኣብ ሰውራና ዝነበሮ ተራ፡ ዋላ ሓንቲ ኣይገለጹልናን። ጥራይ ዝላዓለ ሓላፍን ሚኒስሪ ወጻእ ጉዳያት ምዃኑን እዮም ነጊሮም።

ካብቲ ሞት ዓሊ ኣዝዩ ዘይርሳዓኒ ግን ተማህሮ ንዓሊድግር ማእቶት ተመለሱ ተባሂልና መዓልትና ኣኺሉ እንከሎ እዩ ዓሊ ስዒድ ሞይቱ። ብሰንኪ ሃንደበታዊ ሞት ዓሊ ክልተ ሰሙን ምስ ስድራይ ክቕኒ ዕድል ስለዝረኸብኩ ደሓን እቶ ዓሊ ሳላ ሎሚ ዝሞትካ እኳ ዝያዳ መዓልቲ ረኺብና ኢልና ኩሉ ኣባል 18 ዙር ዝተሓጎስናላ ቅነ እያ ነይራ።

ሕጂ ከስተውዕል ከለኹ ግን እንታይ እዩ እቲ ምስጢር ክርዳኣኒ ኣይከኣለን። ናይ ኣልኣሚን መሐመድ ስዒድ ድማ ልክዕ ከም ናይ ዓሊ ስዒድ ዓብደላ ሰሙን ምሉእ ይቕዝሙ ኣለዉ። እቲ ሕሉፍ ዝገብሮ ናይዚ ኣብዚ ድያስፖራ ከይተረፈ ካልኣይ ቀብሪ ይካየድ ኣሎ ኣብ ምሉእ ዓለም።

ካልእ ሳልሕ መኪት ድዩ ገለ ዝብሃል ዉን ኣብ ሱዳን ምሉእ ዕድሚኡ ተሓቢኡ ዘሕለፎ ኣቦታትና ክኳሽሑ ከለዉ ፡ ልክዕ ከም ናይ ዓሊን ኣልኣሚን ናይ ሰሙናት ሓዘን ከምዝኣወጀሉ ዝዝከር እዩ።

ከም በዓል ናይዝጊ ክፍሉን፡ ፋሲል ተስፋይን ዓይኒ ብርኪ ሰውራና ግን ንቡር ቀብሪ'ኳ ተሓሪምዎ። ጀነራል ስብሓት ትንፋስን ሳንቡእ ህዝባዊ ግንባር፡ ካብ ህዝቢ ካብ ዝኽወል ኣርባዕተ ዓመቱ ሓሊፉ፡ ኣበይ ኣሎ፡ እንታይ ሽግር እዩ ረኺብዎ ዝፈልጥ የለን። እቶም ኣርካናት መራሕትና እኒ በዓል ጴጥሮስ፡ ዑቕበ፡ ድሩዕ፡ ብርሃነ፡ በራኺ፡ ሓንሳእ ከዲዖም ተባሂሉ ምስ ተኣስሩ፡ ዝሓተሎም ዘይብሎም ሓቒቖም ተሪፎም።

ኣልኣሚን እንታይ ተራ እዩ ነይርዎ ኣብ ህዝባዊ ግንባር? ኣበይ እዩ ዓዱ ወይ እንታይ እዩ ቀቢላኡ? ደሓን እቲ ቀቢላስ እኳ ኦሮሞ እዩ ኢሎሞ። ዝነበሮ ተራ ስለዘይብሉ ግን ስቕ ኢልካ ምቑዛም በቃ።

#ስለምንታይ እዩ እዚ ኹሉ ጅግንነት ናይ ደቂ ትግርኛ ከይንገርን ከይንማሃሮን ክዕበጥ ዝግበር ዘሎ?
#እሞኸኣ ስለምንታይ ብናይ ቀቢላታት ኣስላም ናይ ሓሶት ጅግንነት ክትካእ ዝድለ ዘሎ?
#ስለምንታይ? ኢልኩም'ዶ ትሓቱ ደቂ ዓድና።

ሓማሴን፡ ሓደ ኣይኮናን። ኣብ ምንታይ ኢና ሓደ!

03-11-2021ብ - ሃብቶም መሓሪ


ዓደይ እምባላኻ ትባሃል ንእሽቶይ ዓዲ ኣብ ስመጃና፡ ኣብ'ታ ዶብ እያ። ካብ ወሰናስን ናይ ኤርትራ እየ። ኣብ’ታ ኣስመራ’ውን ስለ ዝነበርኩ፡ ነታ ኣስመራውን ይፈልጣ እየ። ኣብ’ቲ ሓማሴን'ውን፡ ደቂ እቲ ከባቢ የዕርኽተይ ኣለዉኒ።

እዞም ከባቢ፡ ሓደ ኢና፡ ሓድነትና ክብሉ ከልውስ፡ እንታይ ይዘረቡ ከምዘልዉ ምርዳእ ይኣብየኒ። ኣብ ምንታይ ኢና ሓደ፡ ብምንታይ ኢና ሓደ፡ ስልመንታይ ኢና ሓደ? ዝብሉ ሕቶታት የላዕሉለይ?

ምስቶም ናይ ሰበኽ-ሳግም መነባብሮ ዘልዎም እንዳታን ቀቢላታን ዜጋታትና'ስ ይትረፍ፡ ዋላ’ቶም ቀዋሚ ዓድታትን መንበሪ ገዛን ዘለና ትግርኛ'ኸ ሓደ ዲና? እቲ ኣብ ከባቢ ሓማስየንን ኣብ ወሰናስንን ዘሎ ትግርኛ'ኸ እንታይ እዩ ሓደ ዝገብረና?

እዞም ከባቢ፡ ኣብ’ቲ ወሰናስን ንዘለና፣ ዝሓለፈ 100 ዓመታት እንታይ ኢና ሓልፊና፡ ወይ እንታይ ኢና ንሓልፍ ዘለና ይርደኦም’ ዩ ኣይብልን እየ።

ሰለ'ዚኾነ ካኣ፡ ስለምናትይ እዩ እዚ ወሰናስን፣ ዋል ኤርትራ ህልም ትበል፣ ኣብ ጎኒ ህወሓት ኮይኑ፣ ኣንጻር ልእላውነት ሃገርናን ኣንጻር ዘላቂ ረብሓ ህዝቢ ትግራይን ደው ዝብል ክርዶኦም ኣይጽበን እየ።

ኣብ ኤርትራ፡ እተን ዘልዋ ሃብትን ጸጋታትን፡ ኣብ’ዛ ሓማስየን ትባሃል ከባቢ እየን ዘልዋ። ሃብቲ ክንብል ከለና፡ መዐቀኒ ዋጋ ናይ ዘሎ/ዝጭበጥ ንብረት ወይ ጸጋ ብሓደ ሰብ፡ ሕብረተሰብ ወይ ሃገር ዝውነኑ ማለት እዩ። ብዛዕባ ዘየለ ወይ ዘይጭበጥ ንብረት ወይ ጸጋ እይኮነን።

ሰለዝኾነ ካኣ፡ ሓማሴን፡ ማእከል ፖሎቲካዊ ቁጠባ ናይ ኤርትራ እዩ። ቁጠባ ክንብል ከለና፡ ብዛዕባ ህላወ ጸጋታ ኣብ’ቲ ሕብረተሰብ ኢና ንዛረብ ዘለና። ፖሎቲካ ክንብል ከለና ካኣ ዝርጋሐ ናይቶም ጸጋታት ኣብ’ቲ ሕብረተሰብ ማለት እዩ። ስለ’ዚ ፖሎቲካዊ ቁጠባ ክንብል ከለና፥ ኣብ’ታ ሃገር ዛለዉ ጸጋታታን ዝርጋሐኦምን ማለትና እዩ።

ኣብ ኤርትራ፡ ሃብቲ ዝባሃል ብዓብዩ መሬት እዩ። እቲ ዋጋ ዘልዎ፡ ኣዝዩ ብኹቡር ዝሽየጥ መሬት ካኣ መሬት ኣስመራን ከባቢኣን እዩ። ኣብ'ቲ ወሰናስን ዘሎ መሬት ዋጋኡ ኣዝዩ ሕሱር እዩ።

ኣብ ዓድና፡ ኣብ እምባላኻ፡ ላዕላይ ኣግሩፍ፡ ኣብ ስመጃና እያ ርስተይ። ዋጋ መሬት ኣብ እምባላኻ ምስ’ቲ ዋጋ መሬት ኣብ ጸሎት ወይ ኣርባዕተ ኣስምራ ሰማይ ምድርን ኣዩ። መሬት ጾሎት ብሚልዮናት እዩ ዝሽየጥ፡ መሬት እምባለኻ ግን፡ ሰብ-ሰብ መታን ክጨኑ፡ ብነጻ ዝሰፍረለይ እንተረኺበ ዕድለኛ እየ።

ስለ’ዚ ንዓይ ወይ ንኻልእ ከም’ዚ ከማይ ካብ ስመጃና ወይ ዓረዛ ወይ ቆሓይን ካብ’ቲ ወሰናስን ዝመጸ ትግርኛ፣ ምስ’ቲ ናይ ሚልዮናት መሬት ዝወስድ ወዲ ኣርባዕተ ኣስመራ፡ ጸሎት፣ ዓዲ ንፋስ፣ ውዲ’ቲ ከባቢ ሓማስየን እንታይ እዩ ሓደ ዝገብረና? ሓደ ቋንቋ ስለ ዝተዛረብና፡ ሓደ ኢና ማለት ኣይኮነን።

ሕርሻው’ን እቲ ከባቢ፡ ጎላጉል እዩ፣ መሬት ኣለኩም፡ ካብኡ ሓሊፉ ካኣ እንተደለኹም ንጋሽ፣ እንተደለኹም ንሴሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ። ብክልተ ክራማት ትሓርሱ። ኣፍሪኹም ዝቀረብክሞ ትሸጥሉ፡ ዘፍረኽሞ ዝጠልብ ናይ ኣስመራ ዕዳጋ ኣለኩም። ብካሮሳ ገገርኩም፡ ኣስመራኹም ኣንጊህኩም ሸይጥኩም፡ ስዋኽም ስትይ ዊዒሉኩም፣ ኣማሲኹም፡ ደርፊ ዓድኹም እንዳ ደረፍኩም፡ ነንዓድኹም።

ኣባና ግን ከምኡ ኣይኮነን። ሕርሻው’ን የብሉናን። ጎቦታት እዩ። እቲ ዘላ ንእሽቶይ ጎልጉል፡ ግደፍ ንሕርሻ፣ ንመንበሪ’ውን እንተ ኣኺሉና እዩ። ካብ ስደት ዓድና ምስ ተመለስና፡ በተን ዘዋህለልናየን ገንዘብ ኢና፡ ኣብ’ታ ብሰንኪ ካብ ኣስመራ ናብ ኣዲስ ኣበባ እተወስድ ጽርግያ ዝተደኮነት ንእሽቶይ ከተማ ሰንዓፈ፡ ስዋና ስትይ ዊዒልና፡ በተን ዝገዛእናየን ብሽክለታ፡ ደርፊ ዓድና እንዳ ደረፍና፡ እንዳ ወደቅና እንዳ ተሳእና፡ ነንዓድና ንምለስ።

ቁጠባ ወይ ሃብቲ ወይ ጸጋታት ክንብል ከለና፡ መሪት ውይ ሕርሻ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብተወሳኺ፡ ናይ ስራሕ ዕድላት፣ ናይ ኣጎልጉሎት ዕድላት ወዘተ እውን የጠቃልል እዩ። ኣብ’ዚ ውን ሓደ ወይ ማዕረ ተጠቃምነት የብልናን።

ኣብ ኣኮሎጉዛይ፡ ካብ እምባለኻ መጺአ፡ ኣብ ሰንዓፈ ነዳቃይ ወይ ሮፋዕ ክኸውን ኣይክእልን፣ እቲ ዕድል ኣዝዩ ጸቢብ እዩ። ወይ ካኣ ካብ ደረጨን መጺኡ፣ ኣብ ዓዲቀይሕ ነዳቃይ ወይ ሮፋዕ ናይ ምኻን ዕድለይ ኣዝዩ ጸቡብ እዩ።

ናይ ነዳቋይ ወይ ሮፋዕ ናይ ስራሕ ዕድል’ውን የለን። ኣብ ሰራየ’ውን ተመሳሳሊ እዩ። እታ ኣማራጺት፡ ስደት እያ። ኣብ ዓዲ ኣምሓራ፡ ወይ ዓዲ ዓረብ ተሰዲድካ፡ ኣውቲስታ ኮንይንካ ደቅኻ ምዕባይ። ከምኡ እዩ ነይሩ። ከምኡ ቀጺሉ፡ ሕጂ ካኣ ከምኡ እዩ ዘሎ።

ኣብ’ቲ ከባቢ ግን፡ ካብ ዓዲ ንኣምን፡ ምለዛናይ፡ ደቂ ዘርኡ፡ ደርሰናይ፡ ሕምብርቲ ወዘተ ብብሽክለታኹም ገይርኩም ድዩ፡ ብኣውቶቡስ ኣስመራ መጺኢኹም፡ ናይ ነዳቃይ ድዩ ናይ ሮፋዕ ስራሕ ዕድላት ክትረኽቡ ቀሊል እዩ። ኣስመራ ቀረባ እያ ንዓኹም። ናይ መጋዓዝያ ኣጎልጉሎት ካኣ ኣልዎ። እቲ ናይ ስራሕ ዕድላት ኣለኩም ኣብ ኣስመራ።

ኣብ’ቲ ወሰናስን ወላሓንቲ የብልናን ኣቱም ሰባት። መሬትናት ተሸይጡ ዋጋ ዘየውጽእ እንተ ኾይኑ። ሕርሻ ሓሪስና ደቅና ከንዕቢ ዘይንኽእል እንተ ኾይና። ናይ ስራሕ ዕድላት፡ ዋላ ሮፋዕ ናይ ምኻን ዕድል እንተ ዘይብልና። ቅድሚ ሓደ ኢና፡ ሓድነትና ምባልኩም’ሲ ብኸመይ እዮም ዝናበሩ ኢልኩም ሓቲትኩም ትፈልጡ’ዶ?

ንሱ ጥራይ ኣይኮነ፡ ናይ ትምህርቲ ኣጎልጉሎት ዕድላት የብልናን። ናይ መጎዓዝያ ኣጎልጉሎት ዕድላት የብለናን። ናይ ጥዕና ኣጎልጉሎት ዕድላት የብለናን። የብልናን፣ የብልናን። ኣብ’ዚ ወሰናስን ዘለና፡ በዚ ናትና፣ ናይ ወሰናስንን ናይ ትግራይን መንግስቲን፡ በቶም ቅድሞኦም ዝነበሩን ፍጽም ዝተነጸልና፡ ኣብ ድኽነትን ስደትን እዩ መዋእልና።

ስለ’ዚ እዚ መንእሰይ ሓማስየን ወይ ሕብረተሰብ ሓማስየን እዞም ኣብ ወሰናስን ዘለና ዝሓለፍናዮን ንሓልፎ ዘልናን ድኽነት፣ ስደት ይርድኣኩም ድዩ? ብዛዕባና’ስ ትሓስቡ’ዶ ቁሩብ? ከም’ቲ ዝባሃል “ኣብ ከብዲ ጽጉብ’ሲ ጥሙይ የለን” ሓደ ኢና ኣይተበሉና፡ ሓደ ኣይኮናን።

ኣብ እምባደርሆ ናይ ኣቦሓጎኡ፡ ኣቦኡ ሚልዮናት ዝሽየጥ መሬት ዘልዎ፣ ጽባሕ ንስ’ውን ዋጋ ሚልዮናት መሬት ክወሃብ ሃንቀው ዝብል፡ ዝወለዶም ደቁ’ውን ተወልዲም፡ ዓብዮም፡ ዋጋ ሚልዮናት ርስቲ ክወስዱ ተስፋን ትጽቢትን ዘልዎ ምስ ከም’ዚ ከማይ ወዲ እንባላኻ እንታይ እዩ ሓደ ዝገብሮ?

ሓድነት ጽቡቅ እዩ። ሰናይ ነገር እዩ። ኣነውን ሓደ ክንከውን እየ ዝደሊ። ሓደ ክንከውን እንተ ኮይና ግን፡ ኣብ’ታ ሓማስየን፡ ኣብ ጾሎት ድዩ፡ እምባደርሆ ድዩ፡ ዓድንፋስ ድዩ፡ ቁሸት ድዩ፡ ዓዲ ኣበይቶ ድዩ፡ ኣርባዕተ ኣስመራ ድዩ፡ ድርፎ ድዩ፡ ኣብ’ታ ርስትኹም ምቆሉኒ። ኣብ'ቲ ጸጋታት ብማዕረ ምሳኹም ከም ዝማቃራሕ ግበሩኒ። ሓደ ንኹን።

እዚኣ ጥራይ እያ ሓደ ትገብረና። ሓደ ዓይነት ተጠቃምነት ናይ ጸጋታት እንተ ሃልዩና፡ ሓዲ ኮይና ንባሃል። ኩላህና ወነነቲ ሓደ ዋጋ ዘልዎ ንብረት ወይ ጸጋ እንተ ኾይና፡ ሓደ ኮይና ንባሃል። ናይ ባሓቂ ይብለኩም ኣለኹ፡ ከም ሓድነት ዝጥዑም የለን።

ተዘይኮነ ግን፡ ሓደ ዓይነት ዕድላት ናይ ተጠቃመንት ናይ ንብረት ወይ ጸጋ ዘብይልካ፡ ሃብታምን ድኻን ኮይንካ ግን፡ ከምይ ኣቢልካ እዩ ሓደ ዝኸውን። ብኣፉኩም፡ ሓደ ኢና፡ ሓድነት እንዳ በልኩም ተታሉሉና። ግምጥል ኢሉኩም ካኣ፡ ካብ’ቲ ብነጻ ዝተቀበሎክሞ መሬት፡ ፍርቃ፡ በተን ኣብ ስደት፡ ዓሰርተታት ዓመታት ሰሪሐና፣ ጮቆቅ ኢለና ዘዋህለልናየን ገንዘብ ትሸጡልና።

እዝጊሄርኩም ኣለኩም፣ ደቂ ሓደ ሃገር ዲና ክንባሃል። ንስኻትኩም ዋጋ ሚልዮናት መሬት ብነጻ ትዋሃቡዎ። ንሕና ካኣ ኣብ ገዛእ ሃገርና ሚልዮናት ሂብና እንዳ ገዛእናልኩም’ሲ ሓደ ኢና ትብሉና። ሓደ ዕጫ ዘይብልና፡ ሓድነት የለን ኣብ ግብሪ። ወረ ከመይ ከመይ ገርኩም ተጠዓዕምዎ።

መሬት ኣብ'ቲ ዓድኻ ዘይትገዝእ ወይ ዘይተስርሕ ካኣ ከይትብሉኒ፡ ኣብ ዓድና ከም’ቲ ኣብ ኣስመራ ዘሎ ኣጎልጉሎት የለን። ናይ ትምህርቲ፡ ናይ ጥዕና፡ ናይ ስራሕ፡ ናይ መጓዓዝያ፡ ወዘተ የለን። ደቅና ኣብ ዕድላት ዘልዎ ከነዕቢ፡ ኣስመራ ኢና ንመርጽ።

ሓቂ እዩ፣ ህግደፍ፡ ንኹላትን ሓደ ገይሩና እዩ። እቲ መንግስቲ ናትና እዩ። ናይ ትግራይን ናይ ወሰናስን መንግስቲ እዩ። ናይ ሓማስየን ኣይኮነን። ኢሳያስ ኣፈውርቂ፡ የማነ ማንኪ፡ የማነ ገረመስቀል። ሓጎስ ኪሻ። ወዲ ካሳ፣ ዘምህረት የውሃንስ ወዘተ። ኣብኡውን ሓደ ኣይኮናን። ብዘይካ ክልተ ኣምባሳደራት፡ ኣብ'ቲ መንግስቲ ወኪል የብልኩምን።

ኣብ መንግስቲ ንሕና ኢና ዘለና። እቲ ካብ’ቲ ወሰናስንን ካብ ትግራይን ዝመጸ መንግስቲ፡ ብቀንዱ ግዳይ ዝገበረና፡ ንዓና ነቶም ኣብ’ቲ ወሰናስን እንነብርን፡ ንህዝቢ ትግራይን እዩ። ምኽንያቱ ካብ’ቲ ዘለውዎ ናይ ስልጣን ቦታ ክለግሱ ኣይደልዩን እዩ። ነቲ ከባቢ ብኣናን ብትግራይ እንዳ ኣፈራርሒ፡ ማሕበራዊ ሰረቶም ገይሮምኹም።

ስደት ካኣ፡ ኣብ’ዚ ወሰናስን ኣብ ዝሓለፈ 30 ዓመት ኣይጀመረን። እቲ ናይ ወሰናስን መንግስቲ፡ ኣብ’ቲ ወሰናስን ከም ዝቀደሙ መንግስታት ዝኾነ ይኹን ወፍሪ ናይ ልምዓት ኣይገበረን። መነባብሮ ናይ’ቲ ወሰናስን ከማሓይሽ ዝኾነ ተበግሶ ኣይገበረን። እቲ ከባቢ ግን፡ ብብዝሒ ይስደድ ኣይነበረን። ሎሚ ግን ኩላትና ሓደ ገሩና። ምሳና ትስደዱ ኣለኹም።

ስለ’ዚ እዚ መንእሰይ ሓማሴን ኣብ ክንዲ ብዛዕባ ዘየል ሓደነት፡ ሓደ ልቢ ኢና እንዳበልካ ምፍካር፡ ነቲ ጸገማትና፣ ናይ’ቲ ወሰናስን ጸገም ተረድእዎ። ግደፍ ምስ’ቶ ዋላሓንቲ ዘይብሎም ድኻታት፡ ናይ ሰበኽ ሳግም መነባብሮ ዘልዎም፡ እንዳታትን ቀቢላታትን፡ ምስ’ት ትግርኛው’ን ሓድነት የብልኩምን። ሓደ ኣይኮናን።

እቶም ናይ እንዳታት ቀቢላታት ሰበኽ ሳግም ካኣ ዝገደደ ድኽነት እዩ ዘልዎም። ምኽንያቱ፡ ከም’ቲ ናይ ወሰናስን ትግርኛ፡ ቀዋሚ ዓዲ ድዩ፡ ቀዋሚ ገዛ መንበሪውን የብሎሙን። ንሶምውን ሓደ ክኾኑ እንተ ኮይኖም፡ ኣብ’ታ ሃገር ዝውንንዎ ንብረት፡ ተስፋን መጻኢን ክህልዎም ኣልዎ።

ተዘይኮነ ክዳኖም ስለ ዝተኸድንኩም፡ ሓድነትና ኢልኩም ስለ ዝጨደርኩም፡ ሓደነት ኣይረጋገጽን እዩ። ሓድነት ብግብሪ እዩ። ሓድነት ዝረጋገጽ፡ ኣብ ጸጋታት ናይ’ታ ሃገር ሓደ ወይ ማዕረ ተጠቃመንትን ዕድላትት ምስ ዝህልወና እዩ።

ሕጂ ሓደ ሰለ ዘይኮና፡ ነታ ሃገር ሓደ ዓይነት ስሚዒት ክህልወና ኣይክእልን እዩ። ኣብ’ታ ሃገር ንብረት ዘልዎ፡ ተስፋን ትጽቢትን ዘልዎን ምስ’ት ንብረት ዘይብሉ፡ ተስፋን ትጽቢትን ዘይብሉን ከምይ ኣቢሉ ሓደ ዓይነት ስሚዒት ይህልዎም?

ወይ እዚ ናይ ወሰናሰን መንእሰይ ብልእላውነት እታ ሃገር፡ ከም’ዚ መንእሰይ ከባቢ እንተ ዘይተሰሞዖ’ሲ ዘገርም ድዩ? ኣብ'ቲ መሰዋእቲ ብማዕረ ክንወድቅ፡ ኣብ'ቲ ጸጋታት ግን ማዕረ ዘይንማቃራሕ እንተ ኾይና፡ ከመይ ኣቢሉ ማዕረ ሃገራውነት ክህልወና ትጽበዩ?

ሓደ ክንከውን ኣለና። ብዛዓባ ሃገርናውን ሓደ ስሚዒት ክህልወና ኣልዎ። ሓደ ኮይና ሓደ ስሚዒት ክህልወና እንተ ኾይኑ ግን። ኣብ’ቲ ጸጋታት’ውን ሓደ ናይ ተጠቃመንት ዕድላት ክህልወና ኣልዎ። ኩላትና ካኣ ሓደ ዓይነት መስዋእቲ ወሰናስንን ናይ ትግራይን መንግስቲ ኣሊና፡ ኣብ’ቲ ገማግም ባሕሪ፡ ናይ ኢንዱስትሪ ቁጠባ ዘለወን ዓበይቲ ከተማታት ብምህናጽ፡ ኩሉ ትግርኛ ጥራይ ዘይኮነ፡ ዋላ’ቲ ናይ ሰበኽ ሳግም መነባብሮ ዘልዎ፡ እንዳን ቀቢላን ውሑድ’ውን ወናኒ ንብረት ከምዝኸውን ንግበር።

ኩላትና ናይ ባሓቂ ዋጋ ዘልዎ ሃብቲ፡ ማለት ንብረትን ጸጋን ኣብ’ታ ሃገር ከም እንውንን ንግበር። ኩላህና ወነንቲ ንብረት እንተ ኾይና። ሓደ ዓይነት ተጠቃመንት ናይ ዕድላት፦ ናይ ስራሕ ናይ ኣጎልጉሎት ወዘተ እንተ ኣለና፡ ሽዑ ሓደ ኮይና ክንብል ንኽእል። ሓድነትና ይረጋገጽ።

ነታ ሃገር ካኣ ሓደ ዓይነት ስሚዒት ይህልወና። ሕሉፍናን፡ ህላወናን መጻኢናን መጻኢ ደቅናን ኣብ’ታ ሃገር ስለ ዝምርኮስ ካኣ፡ ነታ ሃገር የሕሊፍና ኣይንህባን፡ ብማዕረ ንስዋኣላ። ሰለ'ዚስ ናይ ባሓቂ ሃገራውያን ኩኑ። እንተዘይኮነ፡ ሓድነት'ዶ ሓደ ልቢ ብዝብሉ ጭርሖታት ጥራይ፡ ሓድነት ከምዘሎ ነብስኹም ኣይተታልሉ።
#ሓማሴን፡ ሓደ ኣይኮናን። ኣብ ምንታይ ኢና ሓደ!

አብ ኩለን ክፋላትን ጨንፈራትን ማሕበርና ዝካየድ ፍጻመታት፣ ዜናታት ፣ ከምኡ ውን ዜናታት ከባቢናን ዓለምን ከከም አድላይነቱ አብዚ ገጽ እዚ ንዝርግሖ።